እንቛዕ ሓጎሰካ/ኪ !!!

ድሕሪ እዚ እምበኣር ከምዚ ኢልካ/ኪ ጸልይ/ዪ ፣

ዎ እግዝኣብሄር ኣምላኽ ኣነ ሓጥያተኛ ምዃነይ ይኣምን ኣለኹ። ንስኻ ምእንታይ ንወድኻ  የሱስ ክርስቶስ ከምዝለኣኽካ ይኣምን ኣለኹ። የሱስ ምእንቲ ሓጥያተይ ከምዝሞተን ዝተንስኤን ይኣምን ኣለኹ። ስለዚ ንሓጥያተይ ይቕረ በለለይ ፣ ካብ ኩሉ ሓጥያተይ ድማ ኣንጽሃኒ ኢለ እልምነካ። የሱስ ክርስቶስ ናይ ግሊ መድሓንየይ ኢኻ ኢለ ንዓኻ እቅበለካ ኣለኹ። ንህይወተይ ክትሕድስ ናብ ልበይውን ክትኣቱ እጽውዓካ። ኣቦ ስለዝተቐበልካኒ የመስግነካ ፣ ኩሉ ክብሪ እውን ንዓኻ እህበካ። ብስም ጎይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ኣሜን ።

እዚ ምስበልካ/ኪ ኣቦ ብ ወዱ ብየሱስ ክርስቶስ ይቕበለካ/ኪ። ዳግም ዝተወለድካ/ኪ ትኸውን/ትኾኒ። ካብ ኣምላኽ ዝተወለድካ/ኪ ውሉድ ኣምላኽ ትኸውን/ትኾኒ። ኣብ ሰማያት ብዛዕባኻ/ኺ ዓቢ ሓጎስ ይኸውን።

ብቃል ኣምላኽን ብጸሎትን ምስ ኣሕዋት ብምሕባርን ምእንቲ ክትዓቢ/ክትዓብዪ ፣ ኣብ ከባቢኻ/ኺ ኣብ ዘለዋ ናይ ኣመንቲ ቤት-ክርስትያናት ክትመላለስ/ሲ ይግብኣካ/ኪ። ቃል ኣምላኽ እተምብበሉ መጽሓፍ ቅዱስ ክንህበካ/ኪ እንተድኣ ደሊኻ/ኺ ብኣድራሻና ተወከሱና ።

ኣምላኽ ይባርኽኩም !!!