ታሪኽ ጥፉእ ወዲ

ሉቃስ 15:11-24

“በለ ድማ፥ ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ። እቲ ንእሽቶ ኸኣ ነቦኡ፥ ኣቦይ፡ ካብዚ ጥሪት እቲ ዚበጽሓኒ ግደ ሃበኒ፡ በሎ። ነቲ ገንዘቡ ኸኣ መቐሎም። ድሕሪ ሒደት መዓልቲ ኸኣ እቲ ንእሽቶ ወዲ ዘለዎ ዅሉ ኣኪቡ፡ ናብ ካልእ ርሑቕ ሃገር ከደ። ኣብኡ ድማ ነቲ ጥሪቱ ብቕለትን ዕብዳንን ዘረዎ። ዘለዎ ዘበለ ምስ ወድኤ፡ ኣብታ ሃገር ብርቱዕ ጥሜት ኰነ። ንሱ ኸኣ ኪስእን ጀመረ። ከይዱ ምስ ሓደ ኻብ ደቂ እታ ሃገር ተዋዓዓለ፡ ንሱ ኸኣ፡ ሓሰማታት ኪጓሲ፡ ናብ ምድሩ ሰደዶ። ካብቲ ሓሰማታት ዚቕለባኦ ቛርፍ ከብዱ ኺመልእ ከኣ ሃረር ይብል ነበረ፡ ዚህቦ ግና ሓደ እኳ ኣይረኸበን። ሽዑ ናብ ልቡ ተመሊሱ በለ፥ እንጌራ ዚተርፎም ግዙኣት ኣቦይ ክንደይ እዮም። ኣነ ግና ኣብዚ ብጥሜት እመውት አሎኹ። ተንሲኤ ደኣ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እሞ፥ ኣቦይ፡ ንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሕጢኣት ገበርኩ። ደጊም ወድኻ ኽብሃል ኣይበቅዕን እየ፡ ከም ሓደ ኻብ ግዙኣትካ ግበረኒ፡ ክብሎ። ተንሲኡ ናብ ኣቦኡ ኸደ። ኣቦኡ ድማ ገና ርሑቕ ከሎ ረኣዮ እሞ ደንገጸሉ፡ ጐይዩ ኸኣ ብኽሳዱ ሐኒቑ ሰዓሞ።  እቲ ወዲ ድማ፥ ኣቦይ፡ ንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢኣት ገበርኩ፡ ደጊምሲ ወድኻ ኽብሃል ኣይበቅዕን እየ፡ በሎ። ኣቦኡ ግና ንባሮቱ፥ ብሉጽ ክዳን ኣምጺእኩም ክደንዎ፡ ቀለቤት ኣብ ኣጻብዑ፡ ኣሳእንውን ኣብ ኣእጋሩ ኣእትዉሉ። እዚ ወደይ ሞይቱ ነይሩ ሐውዩ፡ ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ስብሕቲ ላም ኣምጺእኩም ሕረዱ፡ ንብላዕ፡ ንተሐጐስ፡ በሎም። ኪሕጐሱ ድማ ጀመሩ።” 

እዚ ታሪኽ እዚ ኣብ ሞንጎ እግዚኣብሄር ኣቦን ሰብን ዘሎ ርክብ ይነግረና። ሰብ ካብ ኣቦ ሪሒቁ ኣብ ዓለም ብሓጥያት ጠፊኡ ኣሎ። ስለዚ ኸኣ ሰብ ናብ ልቡ ተመሊሱ “ናብ ኣምላኽ ደኣ ክምለስ” ክብል ኣቦ ይጽበዮ ኣሎ። ንስኻ/ኺ እውን ሓወይ/ሓፍተይ ከምቲ ጥፉእ ወዲ ናብ ኣቦኹም ክትምለሱ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ኸኣ ኣቦ መንገዲ ሰሪዑ ኣሎ። እቲ መንገዲ ኸኣ ብወዱ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ እዩ። ምኽንያቱ የሱስ ክርስቶስ እዩ ምእንቲ ሓጥያትና ዝሞተ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ዝተንሰኤ። የሱስ ባዕሉውን ኣብ ወንጌል ዮሃንስ 14:6 “ኣነ መገድን ሓቅን ህይወትን እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደኳ ናብ ኣቦ ዝመጽእ የልቦን።” ኢሉ ኣሎ ።  ስለዚ የሱስ ክርስቶስ ናይ ግሊ መድሓኒኹምን ጎይታኹምን ጌርኩም እንተደኣ ተቐቢልኩሞ ፣ ናብ ኣቦ ብ የሱስ ክርስቶስ ኣቢልኩም ትምለሱ ኣለኹም ማለት እዩ። 

ስለዚ ናብ ኣቦ ብመገዲ የሱስ ክርስቶስ ክትምለስ ትደሊ ዶ?