ሓደገኛ መንገዲ

እዚ ተታሓሒዝካዮ ዘለኻ መንገዲ ሓደገኛ ምዃኑ ክንሕብረካ ንፈቱ። ኣምላኽ ሰብ ምእንቲ ክድሕን እምበር ከይጠፍእሲ ንወዱ በጃ ክሳብ ዝህብ ክሳብ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። እግዚኣብሄር ኣቦ ብምሕረት ሃብታም እዩ እሞ ሰብ ጥፍኣት ከይርኢ ምእንቲ ናብ ኣምላኽ ክምለስ ይጽበዮ ኣሎ።ንዓኻ`ውን ኣብዚ ዘመን እዚ ብምሕረት ዓይኒ ሪኡ ይጽበየካ ኣሎ። ስለዚ ዳግም ክትሓስበሉ ንላወበካ።